What you will learn:
-
ተማሃሮ መጀመርታ ናይ ኮምፕዩተር ኣሰራርዓ (Computer Architecture) ይመሃሩ፣ ኮምፕዩተር ብኸመይ ከም እትሰርሕን፣ ብዛዕባ ውሽጣውን ደጋዊን ሃርድዌር (Internal and External Hardware) ከም CPU፣ ግዝያዊ መኽዘን (Memory)፣ ቀዋሚ መኽዘን (Storage)፣ ኪቦርድን ሞኒተርን ወዘተ... ይምሃሩ።
-
እዚ ኮርስ ኣስዒቡ ብዛዕባ ሶፍትዌርን ዓይነታት ሶፍትዌር ይሽፍን። ናይ ስርዓት ሶፍትዌር (System Software)፣ መተግበሪ ሶፍትዌርን (Application Software) ሓገዝቲ ሶፍትዌርን (Utility Software) እንታይ ከምዝኾኑን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እንጥቀመሎምን ይገልጽ።
-
እዚ ኮርስ ኣስዒቡ ብዛዕባ ኦፐሬቲንግ ሲስተምስ (Operating Systems) ብፍላይ ድማ ዊንዶውስ 11 (Windows 11) ኣስፊሑ ይገልጽ። ተማሃሮ ከመይ ገይሮም desktop, files and folders ከም ዘመሓድሩ፣ ከመይ ገይሮም system settings ከምዝጥቀሙሉን፣ ርድኢት ብዛዕባ essential features of Windows 11 ከም ዝህልዎም ይገብር።
-
ቀጺሎም ተማሃሮ ግብራዊ ትምህርቲ ብዛዕባ Microsoft Officeይመሃሩ።
- Microsoft Word
- Microsoft Excel
- Microsoft PowerPoint
-
ኣስዒብና ሌላ ምስ ኢንተርነትን ዌብሳይትን ኢና ንመሃር። ኢንተርነት ብከመይ ከም ዝሰርሕን፣ ከመይ ገይርና ከም እንጥቀመሉን፣ ከመይ ገይርና ንsearch engines, email, and online services ንጥቀመሎም። ከመይ ገይርና Ai tools ንጥቀም።
-
ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባ ውሕስነት ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን (Computer Security and Online Safety) ኢና ክንመሃር። ከመይ ገይርና ፓስዎርድ ንሰርሕ፣ ናይ ኢንተርነት ሓደጋ ብኣግኡ ምልላይ፣ ውሑስ ኣጠቓቕማ ኢንተርነትን ምውሓስ ውልቃዊ ሓበሬታን።
-
ነዚ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛም፣ ተመሃሮ ብቁዕ ዝኾነ ናይ ኮምፕዩተር ምልከትን ዓቕምን ብምውናን ንናይ ትምህርቲ ኮነ፣ ስራሕ ወይ ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ዘድልዮም ናይ ኮምፕዩተር ዕዮታት ብተኣማንነት ክዓዩ ክኽእሉ ኢዮም።